Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

ባርባራዊ ቅትለት ንጹሃት ኤርትራውያን የብቕዕ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን። እዚ ፍጻመ እዚ መቐጸልታ ተግባራት ናይቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ግፍዕን ጭቆናንን ረሚስዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ እዩ። ሎሚ'ውን ከምቲ ትማሊ እታ ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይሓባር፡ ንንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝረሽረሸት ኢድ ስርሓ ትቕጽል ኣላ። እዚ ስርዓት ንሕይወት ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ፋዕራ ከምዘይብሉ ካልእ መርኣያ እዩ።

ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ክሳብ መዓስ ኣፍካ ተዓቢስካ ሱቕ ክትብል ኢኻ? ካብ ሞት ዕሸላት ደቕኻካ እንታይክመጸካ? ካብዚ ከርፋሕ ናብራ እንታይ ከይጎድለካ? ሃየ፡ ሎሚ ይኣክል ሞት፡ ይኣክል ምልኪ፡ ይኣክል ግፍዒ፡ ይኣክል ባርነት፡ ይኣክል ስደት እትብለሉ እዋን እዩ። ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ሃገርካ ሓርነትካ ተገፊፉ፡ መሰልካ ተጋሂሱ፡ ህሉው ክነስኻ ትሕቲ ህሉዋት፡ ምዉት ከይትብሃል እተተንፍስ፡ እተደንግጽ ፍጥረት ኰንካ ኣሎኻ።

ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ሃየ ተበራበር። ነብስና ካብቲ ስዉር ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኣውጺእና ነቲ ተመንዚዑ ዘሎ መሰልና ነምልስ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ካብ ካልኦት ክመጸና ኣይንጸበ። 'ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ' ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘኪርና፡ ካልኦት ክመርሑና ከይተጸበና ነፍሲወከፍና ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ንመሰልና ደው ክንብል ይግባእ። ኩላትና መራሕቲ፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንኹን።

እዚ እንተጌርና ጥራሕ ኢና እታ ንብህጋ ሰላም ዝዓሰላ፡ ህዝባ ብሰላም፡ ብኽብረት፡ ብስኒት ዝነብረላ ኤርትራ ክንርኢ እንኽእል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ንስድራቤትን መቕርብን ግዳያት ጽንዓት ይሃብ!

ኤምዲሰመ
ፕሪቶርያ
06/04/2016