Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

ህዝቢ ኤርተራ ድማ ከም ወግዑን ባህሉን መሰረት ንዝፈትዎም ዝተቐዝፉ ደቁ ጌና ኣብ መሪር ደበስ ኣልቦ ሓዘን ይርከብ። መንግስቲ ጥልያን ሽዑ ንሽዑ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጁ። ሕብረት ኣፍሪቓ ድማ 03 ሕዳር ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ንኽብሪ ናይዞም ህይወቶም ብኣሰቃቒ ኩነታት ዝሰኣኑ ዕሸላትን ጥኑሳትን ዝርከብዎም 365 ንጹሃት ኤርትራውያን ወግዓዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክግበር ጸዊዖምን ዘኪሮምን። ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጅ ይትረፍ ከም ኤርትራውያን’ውን ክፈልጦም ኣይደለየን። ወዮ ድኣ ብሕግን ወግዕን ዘይተመርጸ ሕግን ወግዕን ዘይተመርጸ ሕግን ወግዕን ክፈልጥ ንጋዶ ኮይኑ እምበር፡ ከም ሕግን ባህልን ህዝቢ ኤርትራስ ንስድራ መወቲ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ከመሓላልፍን ክሓዝንን ምተገብኤ። ብኣንጻሩ ኣቶ ኢሰያስ ዋላ ሓንቲ ናይ ሓዘን ቃል ኣየስምዐን። እዚ ኸኣ ኣቶ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን ብድዐን እዩ።ንህይወት ኤርትራዊ ቕንጣብ ትኹን ድንጋጸ ከምዘይብሉ ዘየወላውል መርትዖ እዩ። እዚ ከይኣክል ወለዲን መቕርብን ሬሳ ፍትዋት ደቆም ኣብ መበቆል ዓዶም ንቡር ቀብሪ ብዘይምርካቡ ብድርብ ሓዘን ከብዶም ሕርር ኩምትር ኢሉም ኣብ ዘለውሉ ግዜ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቅጭጭ ከይበሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ፌስቲቫል ሱዳን ክሳተፍ ተራእዩ።

እዚ ግዲ ኤርትራውያን ዜጋታት ዘይብሉ ብሓይሊ ብረት ስላጣን ገቢቱ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብ ስልጣን ክወርድ ኤምዲሰመ ይጽውዕ። ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ነዚ ጻዊዒት እዚ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከስምዑን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጎስጓስ ደገፎም ክገልጹን ኤምዲሰመ ምሕጽንታኡ የቅርብ።

 

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

03 ታሕሳስ 2013

ደቡብ ኣፍሪቃ