Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

 

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊመሰላትን - ኤምዲሰመ - ካብ 2004 ጀሚሩ ነዚ ራእይ እዚ ጋህዲ ንምግባር ብውሑድ ዓቕሚ ይሰርሕ ኣሎ። ከም ምንቅስቓስ ድማ ብድሆታትን፡ ዕንቅፋታትን ከጋጥም ባህርያዊ ብምንባሩ፡ በቲ ዝጀመሮ ናህሪ ንዝተነብረሉ ተስፋ ንክስጉም ኣይከኣለን። ካብ 2012 ጀሚሩ ከኣ ጉድለታቱ ገምጊሙ ብሓድሽ መንፈስ ተበጊሱ ይርከብ። እዚ ሓዲስ መንፈስ ድማ "ንስራሕ" ዝብል እዩ። እዚ ማለት ስራሕና ቅድሜና ከይዱ ክምስክረልና ኣለዎ ዝብል መርገጺ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ድማ ኤምዲሰመ ብዙሓት ስርሓት ዓሚሙ ይርከብ። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፡

·         "ሕቶፎርቶሕቶናእዩ!" ዝብል ቴማ ዝነበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ኣካይዱ፡

·         ፍሉጣት ኤርትራውያን ዓዲሙ ኤርትራውያን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ኣፍልጦኦም ንምዕባይ ዝሕግዝ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ሰሚናራት ኣካይዱ፡

·         ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ብዛዕባ ሽግራት ኤርትራን መፍትሒታቶምን ዝዝቲ ዓቢ ዓውደ መጽናዕቲ ኣካይዱ፡

·         ምስ ማእከል ንሰብኣዊ መሰላት ዩኒቨርሲቲፕሪቶርያ (University of Pretoria, Center for Human Rights) ብምትሕብባር ንኹነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምስ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣካላት መንግስታት ዘፋልጥን ሓበሬታ ዘስንቕን ሰሚናር ኣካይዱ፡

·         ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ መንበሪ ፍቃዶም ዝተሓሓዝ ዘጋጥሞም ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ምስ Lawyers for Human Rights, UNHCR ብምትሕብባር ዝተፈላለየ ሓገዛት ጌሩን ይገብር ኣሎን፡

·         ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንናይ ኤርትራውያን ኩነታት

·         ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዘድሃበ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ገይሩ፡

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስርሓት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። ብዙሕዝዕመም ዕማማት ኣሎ። ኣብ ሃገርና ዝሓሸ ለውጢ ብሓደ ክልተ ምንቅስቓሳት ወይ ብውሑዳት ፖለቲካውያን ውድባት ክመጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ብተሳትፎ ናይ ኩሉ ዜጋ ጥራሕ እዩ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል። ንስኻ/ እንታይ እዩ እጃምካ/? ጉዳይ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ሕቶ ኣይኮነ፡ እንታይ ድኣ ናይ ሞትን ሕይወትን ሕቶእዩ፡ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ፡ ናይ ጻንታ ምዃንን ዘይምዃንን ሕቶ እዩ፡ ሃገርና ምህላዋን ንዘይምህላዋን ሕቶ። እዋኑ እዋን እንታይ ገደሰኒ ኣይኮነን።

ኤምዲሰመ ደጊሙ ደጋጊሙ ዝብሎ ነገር እንተልዩ፡ ለውጢ ብተሳትፎ ኩሉ ኤርትራዊ ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ስለዚ ኹሉ ኤርትራዊ ብፍልጠት፡ ብሞያ፡ ብጉልበት፡ ብንዋት፡ ብገንዘብ ይኹን ብሞራል እጃሙ ከበርክት ኤምዲሰመ ብትሕትና ንኹሉ ኤርትራዊ ጻውዒቱ የመሓላልፍ።

 

ኤምዲሰመ

 

ፈጻሚትኮሚቴ