እዚ ስክፍታ እዚ ድማ ናይቲ ተንታኒ ስክፍታ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍታ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሁ። ብናቱ ገምጋም ግና እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነበረ ረቋሒታት ኣብ ኤርትራ ከምዘየሎ ሓቢሩ። ከም ኣብነት ምስ ናይ ሶማልያ ብግዜ ፕረሲደንት ዚኣድባረ ዝነበረ ኩነታት ብምንጽጻር ገለ ኣገደስቲ ዝበሎም ነጥብታት ዘርዚሩ።
ኣብ ሶማል ብቀቢላ ዝተኸፋፈሉ ናቶም ሰራዊት ዝነበሮም ጀነራላት ነይሮም። እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሕድሕድ ክትኣቱን ክትበታተንን ሓጋዚ ረቛሒ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ብቀቢላ ወይ ኣውራጃ ዝተጠርነፈ ናቱ ሰራዊት ዘለዎ ጀነራል የሎን። ኩሉ ዝተሓዋወሰ እዩ። ስለዚ እዚ ረቛሒ ኣብ ኤርትራ የሎን ክንብል ንኽእል ኢሉ ኣቶ ሙሴ።
ካልእ ረቛሒ ዝበሎ ኣቶ ሙሴ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ብረት ከልዕል ድላይ ዘለዎ ዳርጋ የሎን። እዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ሃገር ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ።
ስለዚ ይብል ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም፡ ኩሉ ኤርትራዊ ድሕሪ ኢሰያስ ክህሉ ንዝኽእል ኩነታት ብዓይኒ ክቱር ፍርሂ ከይረኣየ፡ ኣብቲ ንዝሓሸ ለውጢ ዝግበር ቃልሲ ዕዙዝን ኣወንታውን ኣበርክቶ ክገብር ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ ብምባል መደርኡ ዛዚሙ።
ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
29 ጥቅምቲ 2014
ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ)