Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

 

ኣምባሳደራት ኩኑ ቆንስላት ኣብ ዘዝተመደብኩምሉ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ እዩ ክትሰርሑ ዝግብኣኩም ነይሩ። የግዳስ ነቲ ስልጣን ክብሕት ምሉእ ሃገር ዝሕምሳ ዘሎን ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ ተጠቂሙ ህዝቢ ኣብ ምፍልላይን፤ ምትፍናንን ከም ቀንዲ ተልእኮ ወሲዱ ዝሰርሕ ዘሎ ውልቀ መላኺ ተገልግሉ ምህላውኩም ትዝንግዕዎ ኣይመስለናን። እዚ ሜላ’ዚ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወቱ ኣዳኺምካን ሲዒርካን፡ ሃገርና ኤርትራ ናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ናይ ብሕቲ ትካል ዝገብር እዩ። እዚ ጸረ-ሓድነት ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ሰላምን ዝኾነ ኣተሓሳስባ እንዳረአኹም ከምዘይረአኹም፡ እንዳሰማዕኩም ከምዘይሰማዕኩም ኣጽቒጥኪም መጋበርያ ክትኮኑ ምሕራይኪም ድማ ኣትሪርና ንቃወም።

እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ጸበባ ክርሁ እዩ፤ እቲ ክፉእ ምዕራፍ ናይ ታሪኽኩም ግን ካባኹም ሓሊፉ ንደቅኹምን ወለዶኹምን ብሕፍረት ክኸድን ምኻኑ ኣይትዘንግዐ። ስለዚ ምስ ሕልናኹም ተማኺርኩም ስቓይ ህዝብኹምን ህይወት መንእሰያት ሃገርኩምን ንምድሓን እዋናዊን ተባዕን ስጉምቲ ክትወስዱ ነተባባዓኩም። ንስኻትኩም ነዚ ሓደ ውልቀ መላኺ ክትርሕርህዎ ዝሓሸ ዕድል ኣለኩም። ኣብ ልብኹም ተመሊስኪም፡ መብጽዓ ሰማእታት ብጾትኩም አሓዲስኪም፡ ንፍትሒ፡ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ መሰል፡ ክብረት፡ ሰላምን ብልጽግናን ህዝብኹምን ሃገርኩምን ደው ክትብሉ እዋናውን ህጹጽን ጻዊዕትና ብስም ጭቁን ህዝብናን ነቕርበልኩም። ነዚ ፍትሓውን ሃገራውን ጻዊዒት ከተኽብርዎ ተስፋ እናገበርና፡ ግብራዊ መልስኹም ንጽበ።

ኤርትረዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

25 ሕዳር 2013

ደቡብ ኣፍሪቃ