Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

 

ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረላ ድማ እዛ ኮሚሽን ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ውዱብን ዓቢ ዝርጋሐ ዘለዎን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ኣቕሪባ። እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል፡ ልዕልና ሕጊ ብዘይምህላዉ ዜጋታት መሰሎምን ነጻነቶምን ተገፊፉ፡ ብዘይ ሕጊ ይቕየዱ፡ ብኣሰቃቒ ይሳቀዩ፡ ደቀንስትዮ ጾታዊ ስቕያት የጋጥመን፡ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ሸቅሊን ደረጃኡ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክበጽሕ ከምዝኽእል ዘርዚሩ። ኤርትራውያን ነዚ ኩነታት ክቕይርዎ ከምዘይክእሉ ተስፋ ብምቑራጽ ኣማኢት ኣሽሓት ሃገሮም ራሕሪሖም ይወጹ ኣለዉ። ካብ ምሒር ዓቕሊ ጽበት ድማ ሕይወቶም ንምድሓን ግዳያት ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕሪን፡ ግዳያት ጭውያን ይኾኑ ኣለዉ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላቶም ዓዶም ራሕሪሖም ናብ ስደይ የምርሑ ስለዘለዉ፡ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ሓለዋን ዑቕባን የድልዮም።

እዛ መርማሪት ኮሚሽን ዘዳለወቶ ጸብጻብ ብኣካል ዘጋጥሞም ስለዝኾነ ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ብዓለምለኻዊ ውድብ ዝተመዘዘ ኣካል ዝተዳለወ ናይ መጀመርያ ጸብጻብ ብምዃኑ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ጸብጻብ እዚ ነቲ ብኤርትራውያንን ብኻልኦት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ክበሃል ዝጸንሐ ዘትርር እዩ። ልክዕ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጸብጻብ ብሽርሒ ናይ ታሪኽ ጸላእትና ዝተሃንደሰ ብምባል ነጺግዎ ኣሎ። ብሰናይ ድልየት ድማ ነዚ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከመይሓይሾ ዝብል እምነት የብልናን።

ስለዚ ድማ ኤምዲሰመ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብዚ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ዝሰፈረ ለበዋታት ኣብ ተግባር ክውዕል ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድ ምሕጽንታኡ የቕርብ። እዚ ምስዘይግበር ግና እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ዕንወትን ህልቂትን ዜጋታት እታ ሃገር ከኸትል ምዃኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንጸጥታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝሸምም እዩ።

ብተወሳኺ ኤምዲሰመ ንጎረባብቲ ሃገራትን፡ ኤውሮፓዊ ሕብረትን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ዑቕባን ክህቡ ይጽውዕ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ኤርትራውያን ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሞም ብዝበለጸ ክጥርነፉን ክውደቡን ይጽውዕ።  ማሕበረሰብ ዓለም ደጋፊ ተራ ጥራሕ እዩ ክጻወት ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ግና ሓላፍነት ኤርትራውያን ጥራሕ እዩ፡ ስለዚ ነዚ ተገንዚቦም ኤርትራውያን ደረኽቲ ለውጢ ክኾኑ ዜግንነታዊ ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት የቅርብ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኤምዲሰመ ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎ ጸብጻብ ብምቕራብ ሓላፍነቶም ንዝፈጸሙ ኣባላት እታ ኮምሽን ዘለዎ ሞገስን ምስጋናን ይገልጽ። ንኹሉኹም እቶም ነዛ ኮምሽን ክትምስረትን ስርሓ ብዓወት ከተሰላስልን ከይተሓለልኩም ዝጸዓርኩም ኣብነታውያን ኤርትራውያን ድማ እንቛዕ ነዚ ኣርኣየኩም ንብል። ኣጆኹም ኣጆና!!!

 

11 ሰነ 2015

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

 

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኢመይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ተወከሱ