Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

 ንዓና ኤርትራውያን እዛ መርማሪት ኮሚሽን ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ብኣካል ዘጋጥመና ዝነበረን ዘሎን ብምዃኑ ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። የግዳስ ብዓለምለኻዊ ውድብ ዝተመዘዘ ኣካል ዝተዳለወ ናይ መጀመርያ ጸብጻብ ብምዃኑ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ።

እዚ ተዳልዩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝበለጸ ኣቃልቦ ክረክብ ዕዙዝ ተራ ስለዝጻወት ብውልቂ ይኹን ብማሕበር ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፎ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክገብር ኤምዲሰመ ብትሕትና ይምሕጸን።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ ናህሪን ድርኺትን ዝውስኽ ጽቡቕ ዕድል እዚ ተጠቒሞም ብዝበለጸ ክጥርነፉን ክውደቡን ይጽውዕ። ማሕበረሰብ ዓለም ደጋፊ ተራ ጥራሕ እዩ ክጻወት ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ግና ሓላፍነት ኤርትራውያን እዩ። ስለዚ ነዚ ተገንዚቦም ኤርትራውያን ደረኽቲ ለውጢ ክኾኑ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ክስከሙ ኤምዲሰመ ጻውዒቱ የቅርብ።

19 ሰነ 2015
ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኢመይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ተወከሱ