Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

ዘተን ዕርቅን ንድንፋዐ ማሕበራዊ ጥምረት ኤርትራውያን

መእተዊ

ብፈለማ ንዘቕረብኩምለይ ዕድመ ምስጋናይ ምስናይ ልዑል ኣኽብሮት ክገልጽ እፈቱ። ነዚ ዕድመ ተቐቢለ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓሳብን ስምዒትን ኩልና ዘሎ ጉዳይ ሃገርናን ህዝበናን፡ ጉዳይ ባዕልና፡ ክላዘብ ብምብቀዐይ፡ ንነፍሰይ ዕድለኛ ጌረ   እቆጽራ። ነዚ ዕድል እዚ ክውን ዝገበሩ ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ድማ ምስጋናን ኣድናቖትን ይግብኦም።

Read more...

  

 

 

እንታይ ገደሰኒ፡ እቲ ዝኸፍአ ሕማም

This article was published in 2009 but is still relevant. The "indifference sickness" is still rampant. This group is now referred to as the "silent majority".

መእተዊ

ኣቦታት ክምስሉ ከምዚ ይብሉ፡ "ተባዕ ኣይሞተ፡ ፈራሕ ኣይሞተ፡ ላንጋላንጋ ሞተ" እዛ ላንጋላንጋ ትብል ቃል ብኻልእ ኣገላልጻ ሓዲገ መዲግ፡ ኣይምዉቅ አይዝሑል፡ ኢልና ክንትርጉማ ንኽእል። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ፡ ፍሉጥ መርገጺ ዘይብሉ፡ ቀስ ኢለ የርክበሉ፡ ባዕሉ ይፈልጥ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስምዒት ዝሓዘለ አምር እዩ። ነዚ ናይ አቦታትና ምስላ ዝድግፍ አበሃህላውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሪር አዘራርባ ተጠቂሱ ንረኽቦ።

Read more...

መንነትን ትምክሕትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራውነት

ብዶ/ ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ

መእተዊ

ልዝብ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዝተፈላልዩ ሃገራዊ ኣርእስት ኣብ ተባብዕ መድረኽ ጺሑ ይርብ። እዚ ልዝብ ውጽኢታዊ ክኽውን መእታ ሓባራውን ዓዳምን ተዓዳምን ዘይበሉ ኣሳታፊ ናይ ልዝብ ሃዋሁን መድረኽንክፍጠር ኣገዳሲዩ። እዚ ዝፍጠር ዘሎ መድረኻት ክፉት ዛዕባ ክህልዎን ንኹሉ ኤርትራዊ ክዛረበሉ ዝደሊ ኣርእስትታት ከኣንግድ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ብዙሓት ሃገራ ኣረታት ተላዒሎም ልዝብነካይድ ኢና። ካብቶም ብተደጋጋሚ ንላዘበሎም ኣርእስተታት ሓደመንእዩ። ልዝብ ብዛዕባ እዚ ኣርስቲ ካብዝየድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ከም ትዕዝብተይ እዚ ዝኽይድ ዘሎ ልዝብ ኣብ ኣውራጃውነት ዘድሃበ ይመሰል። እዚ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ኣብመንጎ ገለ ዓብለልቲ ኣባላት ደቂ እተን ሰለስተ ታሪኻውያን ኣውራጃታት ከበሳ ሃገርና ዘተኮረ ኮይኑ ይመስል።ከምኡ እንተኾይኑ፡ሽሕ ኣገዳሲ እንተኾነ፡እቲ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ድሩት ምኻኑእዩ። ብኡ ምክንያት ካኣ እቲ ልዝብ ክሰፍሕ፡ ሰፊሑውን ንኻልኦት ኣውራጃታትን ብሄራትን ማሕበራዊ ባእታታትን ክጽምብርን ብማ ከሳትፍ ክኸእል ኣለዎ። በዚ መሰረት፡እቲ ኣርእስቲ ካብኣውራጃውነትናብመንነትሰፊሑ፡ ብዝተፈላለየ ሸነኻቱ ከንሪኦን ዓዕሚቕና ከንምርምሮን ኣቢልናውን ኣብ ናይ ሓባር መረዳ ከንበጽሕ እል ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ።እዛ ሕጥቦ ጽሕፍቲ እምበኣር ናብዚ ዘተኮረት ኣበርክቶ እያ።

Read more...