Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

Published Date

ዘተን ዕርቅን ንድንፋዐ ማሕበራዊ ጥምረት ኤርትራውያን

መእተዊ

ብፈለማ ንዘቕረብኩምለይ ዕድመ ምስጋናይ ምስናይ ልዑል ኣኽብሮት ክገልጽ እፈቱ። ነዚ ዕድመ ተቐቢለ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓሳብን ስምዒትን ኩልና ዘሎ ጉዳይ ሃገርናን ህዝበናን፡ ጉዳይ ባዕልና፡ ክላዘብ ብምብቀዐይ፡ ንነፍሰይ ዕድለኛ ጌረ   እቆጽራ። ነዚ ዕድል እዚ ክውን ዝገበሩ ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ድማ ምስጋናን ኣድናቖትን ይግብኦም።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርራውያን፡

ኣብዚ ምሳኹም ዘለኹ፡ ንስኹም ዘይትፈልጥዎ ክነግረኩም፡ ንስኹም ዘይሓሰብኩሞ ከሳላስለል ብዝብል ዕላማ ኣይኮንኩን። ሽሕ እኳ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት  በዚ ከም ኣርእስቲ ኣልዒልና ክንላዘበሉ ደሊና ዘለና ዓውደ-ሞያ ተሞክሮ እንተለኒ፡ ዕላማይ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም ዘይኮንኩስ፡ ሞያይ መሰረት ብምግባር ሓሳባት ኣብ ምጥርናፍን፡ ጠርኒፍና ድማ ናብ ናይ ሓባር ተበግሶ ክንሰግርን፡ ኣበርክቶይ ክገብር ብዝብል ሰናይ ድልየት’ዩ።

ከም መእተዊ፡ ቅድሚ ሱሳ ዓመታት ብሓደ ካብ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትና ዝተባህለ ክጠቅስ ይደሊ፥

“እዚ ኣቲናዮ ዘለና እዋን፡ ናይ ፍቕርን ናይ ሰላምን፡ ናይ ኣገልግሎትን ዕዮን፡ ምኻኑ ተረዲእና፡ ነንሕድሕድና ሓንጎፋይ ንምባል ንቅዳደም። ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩን ንኽብረቱን ዘፍቅር ምኻኑስ ዝተረጋገጸ እዩ። እቲ ኣውራን ቅውም ነገር ኮይኑ ዝርከብ ከኣ፡ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ኣብቲ ሰልፊ እቲ ምግዳል ኣይኮነን። እቲ ኣውራ ቅውም ነገርስ፡ ንረብሓን ንዝበለጸ ንብረትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢልካ ብንጹህ ልቢ ምግዳል እዩ።”

ቐጺሎም፡ እቶም ኣቦና ይብሉ፡

“ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ወለዶ፡ ዝበለጸ ዕድል ከነጽንሓሉ ንጋደል። ደቅና ብሕውነትን ብደግነትን ንሓድሕዶም ከም ዚደጋገፉ ንግበር፡ ክፉእ ውርሻ ኣይነጽንሓሎም። ኩላትና ድቂ ኤርትራ ክርስትያንን ኣስላምን፡ ደቂ ቆላን ደቂ ደጋን፡ በዚ ኣብ ማእከልና ዘሎ ናይ ሃይማኖት ምፍልላይ ከይተዓናቐፍና ከይተሰርነቕናን፡ ናይ ሃገርና ሓድነት፡ ናይ ህዝብና ሕብረትን ከየቛርጽ ኢልና ክሳዕ ክንድዚ ብምገዳልና ንምልእቲ ዓለም ኣገሪምናያ ከምዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ።”[1]

እዚ ቃላት ክፋል ናይ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ፕረሲደንት ሰልፊ ናጽነት ኣብ 1952 ጉባኤ ናይ’ቲ ሰልፊ ዝገበርዎ መደረ እዩ።

ብወገነይ እዚ ልቦና ዝመልኦ ዘረባ፡ ካብ ግዜ50ታት ንላዕሊ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ኾይኑ ይረኣየኒ። ልክዕ ከም 50ታት፡ ኣቦታትና ብሓያላት ዝተቐየሰ ኤርትራ ናይ ምምቕቓል ውጥን መኪቶም፡ ግን እቲ ዝደለይዎ ምሉእ ናጽነት ክረኽብዎ ዘይክኣሉ፡ ንሕና’ውን ሃገራዊ ናጽነት ረኺብና፡ እቲ ሕልምን ባህግን ህዝብና ንሓርነትን ደሞክራሲን ከይተጋህደ ተሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣስጋእን ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ። ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኣንዳጠቀሱ ነዚ ኩነታት መሰረቱን ሳዕቤናቱን ይገልጽዎ እዮም። ማእከላይ ረቛሒ ኮይኑ ከም መበቆልን ሳዕቤንን ናይዚ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ጸገም እቲ ራእሲ ተሰማ ዝተዛረብሉ ማሕበራዊ ጥምረት ኤርትራውያን እዩ።

ማሕበራዊ ጥምረት

ከም ኩሉ ኣህዛብ ዓለም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፎ ተሞኩሮ ታሪኽ ዝተቐረጸ እዩ። ብምሉኡ እኳ እንተዘይኮነ፡ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ተመኩሮ ታሪኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጋጠሞ መግዛእታዊ ጎነጻት ንምምካትን ከም ህዝቢ ህላዉነቱ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ቓልሲ ዝተዓብለለ’ዩ። ኣብ’ዚ ታሪኽ፡ ጎነጽ ብኽልተ ገጻቱ ወይ ክስተታቱ ዓብላሊ ተራ ነርዎን ኣለዎን። እቲ ቐዳማይ፡ ጎነጽ በቶም ገዛእትን ትካላቶምን ዝተዋደደ ቀጥታዊ ክስተት ክኽወን ክሎ፤ እቲ ካልኣይ ካኣ፡ ጎንጺ ከም ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ቀጥታዊ ተሞክሮን እዩ። እዚ ንሕድሕዱ ዝደራረብ ክስተታት ጎነጽ ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ስጋብ ሓምሳ ዓመታት ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ፈለማይ ነቲ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ንምቑጻይን፡ ምልከት ግዝኣት ኣብ ምንጋስን ዝዓለመ ጎንጺ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልእይ ከኣ ነዚ ናይ ምልከት ጎንጺ ንምምካትን ህላውነትካን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መኸተን  ግብረ-መልሲ ዝባህርያቱ ጎንጺ እዩ።

ኣብቲ ካልኣይ ክስተት ጎንጺ ብሕልፊ ብረታዊ ቓልሲ ኣቲና ምስ እንርኢ፡ ክልተ ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ተምኩሮታት ኢና ንርኢ። በቲ ሓደ ወገን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነት፡ ዝለዓለ ተወፋይነት ምእንቲ ሃገርን ህዝብን፡ ምትሕልላይን ምድንጋጽን፡ ብጻይነትን ሕውነትን ዝተራእዮ መድረኽ’ዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ከረአ ኸሎ ኻኣ፡ እቲ ቃልሲ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ደቂሰባት ብመልክዕ ውግእ-ሕድሕድ፡ ጥልመትን ክሕደትን ስሰዐን፡ ዝኽፍአ ጭካነ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓው ዝተፈጸመሉ መድረኽ ታሪኽ እዩ። ነዚ ኣዕናዊ ባህርያት ብዝምልካት እዩ፡ ሰነጥበባዊ ነብስሄር የማነ ገብርሚካል (ባርያ) ኣብ መፋርቕ 80ታት “መን ካብ መን ይበልጽ፡ መን ካብ መን ይልብም፡ ኣብ ልዕሊ መን ክውርዚ፡ ዕንቅሪቢት ተመን ኩሎም ተናኸስቲ መርዚ” ክብል ብደረፊ ኣብዕሊ ጎንጺ ዝመልኦ ውሽጣዊ ኩነታትና ነቕፈትኡ ዘስምዐ።

እቲ ግብረ-መልሲ ጎነጽ ወይ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ 24 ጉንበት 1991 ጸኒሑ ብረፈረንደም ኣብ ጉንበት 1993 ተዛዚሙ። ይኹን እምበር፡ ሃገራዊ ናጽነት ዝፈጠሮ ዕድልን ኣጋጣምን ተጠቒምና፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ናይ “ጎንጺ ባህሊ” ክንፍውሶ ኣይሓሰብናን ኣይካኣልናን'ውን። መብዛሕትና ኣብ ፈንጠዝያ ዓወት ጥሒልና፡ ገለና ካኣ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብዝብል፡ እቲ ንሕድሕድና ዝፈጸምናዮም ጎነጻትን ዓመጻትን ብዘይታሓታትነት ብዘይምፍዋስን ክንሓልፎ ጥራሕ ፈቲንና ዘይኮነስ፡ ዓመጽን ጎነጽን ከም ምኽኑይ ናይ ቃልሲ መስርሕ ተቐቢልና፡ ነቶም ኣሻሓት ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስቓዮምን መቕተልቶምን ከምኡ’ውን ከም መሰል ዘለዎም ኤርትራውያን  ህላውነቶም ክሒድናዮ። መብዛሕትና ዜጋዊ ሓላፍነትና ረሲዕና፡ ዕውር እምነት ኣብ መሪሕነት ናይ ዘይተሓታትነት ባህሊ ሱር ከምዝሰደድ ጌርና ጥራሕ ዘይኮነ፥ ነንሕድሕድና ከም ሰዓርትን ተሳዓርትን ንነብሰና ውሲድና። እቶም ከም ሰዓርቲ ንነብሶ ዝራኣይዋ ክስዕዑን ሓለፋታት ክሓቱን ተራእዮም፤ እቶም ከም ተሳዓርቲ ነነብሶም ዝራኣይዋ ካኣ ክነብዑን ክቕሕሩን ናይ ሕነ መዓልቶም ክጸበዩን ርኢና። ብስምዒት ጎብለልትነት ዝተዋሕጠ ሓፈሻዊ ህዝባዊ እምነት (legitimacy) ዝሰኽረ መሪሕነት ካኣ፡ ንመበቆልን ሳዕቤን ውሽጠ-ኤርትራውያን ጎነጽን ዓመጽን ንምሕዋይ ምቹእ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ምፍጣር ከም ቀዳምነት ኣይሰርዖን። ኩሉ ዝተፈተኑን ዝተተግበሩን ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባዊ ወሳኔታትን ስጉምታትን ካኣ፡ ወይ ከም መቕጻዕቲ ወይ ከም ልግስና ናይ’ቲ መሪሕነት ኮይኖም ክቕርቡ ተራእዮም። በዚ ኻኣ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ከም መሰል ናይ ህዝብን ከም ግቡእ ናይ መንግስትን ዘይኮነስ፡ ከም ትካቦ ናይቲ መሪሕነት እዩ ኔሩን ዘሎን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ንዝተማእዘዘ መዓር ብምልሓስ፡ ንዝይተማእዘዘ ካኣ በትሪ ከም ቅቡል ስልታዊ ኣተሓሕዛ ሃገራዊ ጉዳያት ኮይኑ። ኣብ ዝተናወሐ ግን፡ እንተ እቲ መዓር እንዳዋሓደ ብምኻዱ፡ እንተስ አቶም ነታ ቖፎ ዝብርብሩ ሰሲዖም፡ ቁጽሪ ለሓስቲ መዓር እንዳዋሓደ፡ በትሪ ዝድራሮም ኣንዳበዝሑ ከይዶም። ጎነጽ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒት መንግስታዊ ካባ ለቢሳ ብዝያዳ ኣድማዕነታን ኣገልግሎታን ዓሚቑ።

ናይ’ዚ ሳዕቤን ፡ ከኣዝዚክምንርእዮ ዘለና ዓሚቝን ሰፊሕን እዩ። እቲ ኣውራ ግን፡ ኣብ ማሕበራውን ሃገራውን ጥምረት ዘስዓቦን ዘስዕቦን ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋ’ዩ። ሕሉፍን ቀጻሊ መንግስታዊ ጎነጽ፡ ነቲ ንነዊሕ መዋእል፡ ኣቦና ራእሲ ተስማን ካልኦት ኣቦታትን ዝተዛረብሉን ዝሰርሕሉን ሃገራዊ ራኢ ወይ ሰነ-ሓስብ ኤርትራውነት ፡ ከም ዓብይ ሃገራዊ ስእሊ ደብዚዙን ኣብ ሕቶ ክኣቱን ገይሩ’ዩ። እዚ ከኣ፡ ከም ባህሪያት ደቂሰባት፡ ኤርትራውያን ትሕተ-ሃገራዊ መንነትና ብዝያዳ ኣንዳ ኣጉላሕን ከም ኣማራጺ ባይታ  ምትእኽኻብ’ውን ክንጥቀመሉ ጀሚርና ኣሎና።

ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ ኤርትራውያን ብንሕድሕዱ ዝተኣሳሳር ሽድሽተ መስመራት ተመቓቒልና ንርከብ።

  1. ሃይማኖታዊ መስመር፥ እስላም/ክርስትና፡ ተዋህዶ/ጰንጠቆስታል
  2. ዞባዊ መስመር፥ መታሕትን/ከበሳን፡ ኣከለጉዛይ/ሓማሴን፡ሰራየ
  3. ብሄራዊ መስመር፥ ኩለን ብሄራት ኤርትራ፡
  4. ፖለቲካዊ መስመር፥ ጀብሃን/ሻዕብያን፡ ህግደፍን/ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓደሽቲ/ነባራት ተቓወምቲ
  5. ወለዳዊ መስመር፥ መንእሰይን/ነባር ወለዶ፡
  6. ተምክሮኣዊ መስመር፥ ተጋዳላይን/ኣገልግሎትን፡ ነባራት/ሓደሽትን ስደተኛታት፡ ቀዳማይን/ካላኣይ ወለዶ ኣብ ሰደት፡

መብዛሕቱ ኣዚ መፈላለዪ መስመራት ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ዘሎ እዩ። የግዳስ፡ ብምህሳስ እቲ ዓብይ ሃገራዊ ስእሊን፡ ኤርትራን ህዝባን ገጢምዎም ዘሎ ብድሆታትን ኣዛሚድካ ምስ ዝርኣዩ፡ እዞም መፈላላዪ ረቛሒታት ህቡብነት ረኺቦም፡   ዘይተጸበናዮ ኣዕናዊ ግጭት  ከይፍጠር ንምክልኻል ዘተ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ወዓል ሕደር ዘይባሃሎ ጉዳይ እዩ።

ዘተን ዕርቅን - ንምንታይን ብኸይን?

ልክዕ ከምተን ዝተፈላለያ ጨናፍር ናይ ገረብ ዳዕሮ፡ ማይ-ቤት ሓንቲ ዓድን፡ እተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ማሕበራዊ ባእታት ኣካላት ናይ ሕብረሰብ ኤርትራ እየን። ክምኡ’ውን ኤርትራ ከም ሕብረትሰብን ሃገርን ብዘይ እዘን ማሕበራዊ ክፍልታት ክትህሉን ክትሕሰብን እውን ኣይካኣልን። እቲ ሕቶ እምበኣር፡ ነዘን ማሕበራዊ ክፍልታትኣሕቒቕካ ሃገራዊ መንነት ምፍጣር ዘይኮነይ፤ ነዘን ማሕበራዊ ክፍልታትኣብ ዝተናውሐ ናይ ልዝብ መስርሕን ንጡፍ ተሳታፍነት ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ግቡእ ቦትአንን ጊደአንን ሒዘን ኣብ ዳግመ ምንዳፍ ሃገራዊ ራኢ ኣበርክቶአን ክገብራ ምግባር’ዩ። ሽሕ እኳ እዚ ዓብይ ዕማም ክፋል ናይ ድሕሪ ለውጢ ዝካየድ ሃገራዊ መስርሕ ዕርቂ ኣንተኾነ፡ ነቲ ዝድለ ኣወንታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣብ ንሕድሕድና ክንገብሮ ዘሎና ልዝብ ክግበር ብቕጽበት ክንትሓሓዞ ዘለና ዕማም እዩ። ዕላማ ናይ’ቲ ኣብ ስደት ዝግበር  ዘተ  እንተወሓደ እዚ ዝሰዕብ ክኸውን ይግባእ፥

  • ማሕበራዊ ጥምረት ኤርትራውያን ንምጽጋንን ንምድንፋዕን፡
  • ንሃገራዊ ዕርቂ መንጸፍ ባይታ ንምፍጣር ዝሕግዝ ሰነሓሳባዊን ቅሩብነት ፡
  • ምስፋሕን ምዕሟቕን ዘተ ብዛዕባ ሃገራዊ ራኢ፡

ነዚ ዕላማታት ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ሓንቲ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ተወሃህድ ኣብ ፍትሕን መሰልን ዝመትከላ ብሰብ ሞያ ሃገራውያን እትካየድ ሓይሊ ዕማም ክትህሉን ክትነጥፍን ናይ ምግባር መስርሕ ድሕሪ እቲ  ኣብ ግንቦት 2014 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ መስርሕ  እዚ ብዝተፈላልየ መድረኻት ሓሊፉ ኣብ ምሕንጻጽ መወከሲ ሰነድን ናይ መደብ ሰራሕ ምሕንጻጽን ደርጃ ይርከብ።

ኣብ’ቲ ናይ መወከሲ ሰነድ ሰፊሩ ከምዘሎ፥

  • ራኢ ናይ ሓይሊ ዕማም  ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፣ ኩሉና ኤርትራውያን ባእታታት ነንሓድሕና ብውህደትን ሓድነትን ንነብረሉን፡ ብዙሕነትና ንከባበረሉን፡ ንፍልልያትናን ጸገማትናን ድማ ብሃናጺ ዘተን ልዝብን  ኣቢልና ንፈትሓሉን ዱልድል ማሕበራዊ ጥምረት ዘለዎ  ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ኣዩ።
  • ተልእኾ ናይ’ዚ ሓይሊ ዕማም ዝኽይድ ዘሎን ብሕጂ ዝህልውን ተበግሶታት ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ምትብባዕን ምድጋፍን ክምኡ’ውን ኣድማዒ ምውህሃ ምግባርን’ዩ።
  • እቲ ቀንዲ ዕላማ ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፡ ነቲ ናይ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ስትራተጂ በዚ ዝስዕብ ኣገባባት ንከሰላስል ይጽዕር፡-
  • መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ መራኸብን ብምጥቃም ንህዝቢ ምጉስጓስ።
  • ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን መራሕትን ውልቀሰባትን ብቐጥታ ምውካስ።
  • ናይ ዝተፈላለያ መራሕቲ ማሕበራት ክእለታቶም ክብ ንምባል ምጽዓር።
  • ሓበሬታን ፍልጠትን ብመገዲ ቪድዮን ኣውድዮን ምስናድን ምዝርጋሕን።
  • ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን ኣብ መንጎ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ጉጅለታት  ዘተ ምስልሳል።
  • ሃብታም ተምኩሮን ርእይቶታትን ኤርትራዊ  ማሕበራትን  ውልቀሰባትን  ምስናድን ምዕቃብን።

 ነዞም ዕላማታት ኣብ ተግባር ንምትግባር፡

  • ተሳታፍነትን ዕዙዝ ግደን መንእሰያት ከም ማእካላይ ዓንዲ ክስራሓሉ።
  • ጸጋታት፡ ባህልን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ክም መበገስን መስረትን ክኽውን።
  • ማሃሪ ተሞክሮታት ናይ ካልእ ህዝብታት ኣብ ግምት ምእታው።
  • ብዙሕነትን ዋንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ።

 መደምምታ

ከም ዝተጠቕሰ፡ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽና ክልተ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ክውነታት ነይርዎ እዩ። ኣቲ ሓደ ትብዓት፡ ሓልዮት፡ ተወፋይነት፡ በጃ ሓውካን ሓፍትኻን ሕዝብኻን ሃገርካን ምሕላፍ ከም ዝላዓለ መርኣያ ፍቕሪ ነይሩን ኣሎን፤ በቲ ካልእ ካኣ፡ ስሰዐ፡ ጭካነ፡ ኢ-ሰብኣዊነት፡ ክሕደትን ጥልመትን፡ መግረፍትን መቕተልትን ፍጻመታት ነይሩን ኣሎን። ጎነጽ ክም ባህልን ቅቡል ማሕበራውን ፖለቲካውን መሳርሕን ሱር ክሰድድ፡ ንንሕበነሉ ማሕበራውን ሃገራዊ ጥምረትናን ይፈታትንን ከም ህዝቢ’ውን ክንልለን ኣብ ኣጸጋሚ መድረኽ በጺሕና ኣሎና። እዚ ጸገም እዚ ናህና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብድሆ እዩ። ብዝኮነ ምኽንያትን፡  ንዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ፡ ሓላፍነት ክንህቦ ዘይንኽእልን ዘይብልናን ናይ ውሽጥና ብድሆ ሰለዝኾነ፡ ባዕልና ብናህና ዓቕምን ክንፈትሖ ዘለና’ዩ።

ነዚ ብምርዳእ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ንዘተን ዕርቕን ዝዓለሙ ተበግሶታት ክወስዱ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣድማዕነት ክህልዎ ግን ክወሃሃድን ክጥመርን ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ ንሓደ ዕላማን ኣብ ሓደ ህዝብን ስለ ዝስርሕ። ኣገዳስነት ናይ ዘተን ዕርቅን፡ ነዚ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ንምፍታሕን ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ሃገርናን ኣተሓሳስባናን ንምምጻእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ለውጢ’ውን እንታይ ዓይነት ማሕበራውን ፖለቲካውን ስርዓት ክህልወና ኣለዎ ብዝብል ሕቶ ናይ ሓባር ሃገራዊ ራኢ ንምምዕባል እዩ። ሕጂ ዘይተዘርአ ጽባሕ ዘይዕጸድ ሰለዝኮነ፡ ሎሚ ንገብሮ ዘተን ዕርቅን ናይ ጽባሕ መሰረት እዩ ዝኸውን። ንመጻኢ ስለዝጥምት ካኣ፡ ግደን መሪሕ ተራ መንእስያት ክህሉ ርዱእ’ዩ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓይሊ ዕማም ንሃገራዊ ዘተን ዕርቅን እምበኣር፡ ብተናጽል ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት ንምውህሃድን፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዘተን ዕርቅን ንምዕሟቕን፡ ነቶም ኣብ ባይታ ዝተጀመሩን ብሕጂ ዝጅመሩን ተበግሶታት ዘድሊ ሞያዊ ደገፋትን ንምሃብ እዩ።

ኢምበርከስ፡ በዚ ኣፈናዊ ዘቕርብክዎ ሓሳብ ብምብጋስ፡ ኣብ’ዚ ኸባቢኹም ብኸመይ ናይ ዘተን ዕርቅን መስርሕ ትጅምርዎን ተማዕብልዎን ናባኹም እገድፎ። እቲ መሰረታዊ ነገር፡ ነታ ሃገራዊት ዳዕሮ ምስሳንን ምድንፋዕን ሰለዝኾነ፡ ኩለን እተን ጨናፍራ ብዘይ ኣፋላላይ  ኣብቲ መኣዲ ዘተ ክህልዋን ብንጡፍ ክሳተፋን ክንሰርሕ ኣሎና። እቲ ዝደለ ዘሎ ናይ ሰርዓት ለውጢ ጥራሕ ኣይኮነን። ዝድለ ዘሎ ናይ ባህልን ኣተሓሳስባን ለውጢ’ዩ። ታሪኽና ዘሰከመና ናይ ጎንጺ ዓንኬል ዝሰብር፡ ንልዝብ ንዘተን ከም መትከልን ተግባርን ዘቐድም ባህልን ኣትሓሳስባን እዩ ዝድለ ዝሎ። ልዝብን ዘተን ምዝውታር ንሃገራውነትን ሰብኣውነት የዕዝዞ። ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ፍትሓውያን፡ ደለይቲ ሰላም ሰላማውያን፡ ደለይቲ ፍቕሪ ፈቃራት፡ ደለይቲ ደሞክራሲ ደሞክራስያውያን፡ ደልይቲ ዘተ ተዛተይቲ፡ ደለይቲ ዕርቂ ተዓረቕቲ ክኾኑ ኣለዎም። ከም ማሕተማ ጋንዲ ዝበሎ፡ ነቲ ንደልዩ ለውጢ ክንመስል ኣሎና። ንሕና’ኸ ከም ወለዶ፡ ከምቲ ኣቦና ራእሲ ተሰማ፡ ቅድሚ ሱሳ ዓመታት ዝበልዎ፡ ክንብል ክንበቅዕ ዲና?

ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ወለዶ፡ ዝበለጸ ዕድል ከነጽንሓሉ ንጋደል። ደቅና ብሕውነትን ብደግነትን ንሓድሕዶም ከም ዚደጋገፉ ንግበር፡ ክፉእ ውርሻ ኣይነጽንሓሎም። ኩላትና ደቂ ኤርትራ ክርስትያንን ኣስላምን፡ ደቂ ቆላን ደቂ ደጋን፡ በዚ ኣብ ማእከልና ዘሎ ናይ ሃይማኖት ምፍልላይ ከይተዓናቐፍና ከይተሰርነቕናን፡ ናይ ሃገርና ሓድነትን፡ ናይ ህዝብና ሕብረትን ከየቛርጽ ኢልና ክሳዕ ክንድዚ ብምገዳልና ንምልእቲ ዓለም ኣገሪምናያ ከምዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ።

የቕንየለይ!

 [1] ኣለምሰገድ ተስፋይ (2005) ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሞቲይንሶ ክሳብ ተድላ፡ 1951-1955. (ኣስመራ፥ ሕድሪ ማሕተም)፣ ገጽ 26-27.

 

ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል

ህዝባዊ ሰሚናር: ኣብ ቩፐርታል: ጀርመን

04 ሓምለ 2015