Donate

Thank you for your donation.



Youtube Videos

Meseley Newsletter

ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና

 

LATEST NEWS____________________________________________________________________

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ክወርድ ኢደይ ኢድካ ንበል

ህዝቢ ኤርትራ ብህልቂት ኣማኢት ደቁ ዝወረዶ ድርብ ሓዘን ንብኣቱ እንዳዛረየ፡ ሬሳታት ዕሸላት ደቁ ንሓመድ ኣዳም እብታ ኽብርቲ መሬት ዓደቦኦም ከይተመለሰ፡ ነቲ ክቡር ስርኣት ሓዘንን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ዘናሸወ ነውራም ፍጻመ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርተራ ተዓዚብና። ኣቦታትና ከምዚ ኣጸያፊ ተግባራት ክርእዩ ከለዉ “ኣጉባዝ ከም ዓይበት ይቕደዱ፡ ጓል ማእምን ከኣ ጥራጥ ተራእይዋ” ኢሎም ኢምስሉ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከምዝበሃል እዛ ምስላ እዚኣ ንኣቶ ኢሰያስ ኣፈርቂን ተግባራቱን ብልክዕ ጽቡቕ ጌራ ትገልጾ ምስላ እያ። ኩላትና ኣብ ኣእምሮና ብቐሊሉ ዘይሓዊ ቁስሊ ገዲፉ ዘሎ ህልቂት ላምፐዱሳ ካብ ዘጋጥም ክልተ ወርሒ ጥራይ እዩ ጌሩ ዘሎ።

Read more...

መጸዋዕታ ንኣምባሳደራት ቆንስላትን ስርዓት ኢሰያስ

ኣብዚ ኣማኢት ኤርትርአውያን መንእሰያት ዝቕዘፍሉ ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ መሪር ሕሰምን ጭቆናን ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን፡ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ፡ ነዚ ህዝቢ ዘጽንትን ሃገርውን ዘዕኑ ዘሎ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ከተገልግሉ ምምራጽኩም ዓቢ ሃገራዊን ክድዓት ምዃኑ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ። ነቲ መብዛሕትኹም ዝተቓለስኩምሉ ህዝባውን ሃገራውን ዲሞክራስያዊ ራእይን ዕላማን ዕሽሽ ኢልኩም፡ ሕድሪ ስውኣት ብጾትኩም ጠሊምኩም፡ ብበለጽ ወይ ፍርሒ ዓይንኹም ዓሚትኩም ክትነብሩ ምውሳንኩም ክትገልጾ ዘጸግም ሞራላዊ ከሳራ እዩ።

Read more...

EMDHR Chairperson attends SADC-CNGO Workshop in Botswana

The Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR) participated in a training workshop on conflict management, mediation, and capacity building organized by the Southern Africa Development Community Council of Non Governmental Organizations (SADC-CNGO) from 12-14 November 2013. The training was conducted in Gaborone, Batswana where the SADC–CNGO is based. 

Read more...

EMDHR Meets UN Special Rapporteur on Human Rights in Eritrea

The Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR) in South Africa met with the UN Special Rapporteur (SR) on the situation of human rights in Eritrea Ms. Sheila Keetharuth. The meeting took place on 07 November 2013 in Pretoria, South Africa. The EMDHR chairperson Mr. Kulu Abraham and Mr. Tesfalem Araia, a member of the Executive Committee responsible for External Relations discussed the mandate of the SR and her June 2013 report to the UN Human Rights Council in Geneva, among other things. Ms. Keetharuth explained that the Eritrean government has denied her entry into Eritrea to independently and impartially investigate human rights abuses and as a result her report was based on interviews with refugees whose human rights were abused while in Eritrea.

Read more...

ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዘኖም ይገልጹ

ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍርቃ ነቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብናይ ሓድነትን ሕውነትን መንፈስ ገሊጾም። ኣብቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2013 ዝተኻየደ ናይ ጸሎትን ዝኽርን፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መራሕቲ በቲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዘተሰመዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ንስድራቤት ዝተጎድኡ ምጽንናዕ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መከራ ክናገፉ ጸሎቶም ኣቕሪቦም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖታት እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ “ሰለምንታይ ኢልና ክንሓትት ኣሎና” ብምባል ህዝብና ንነብሱ ክሓትት ድማ ተላብዮም።

Read more...