መግለጺ ሓዘን ኤምዲሰመ ብሞት ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ
Updated: Feb 15, 2022
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ብሞት ብጹእ ወቅዱስ 3ይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ። ሞት መናብርትና እኳ እንተኾነ፡ እዚ ሞት ናይ ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ ዝያዳ መሪር ዝገብሮ፡ ንኽብሪን ናጽነትን እታ ሓላፍነቶም ዝኾነት ቤተክርስትያኖም ክከላኸሉ ንዝሓለፈ 16 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምጽንሖምን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ማሕዩር ምሟቶምን እዩ።
ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ፡ እቲ ሓቀኛ ጓሳ፡ በጃ ኣባጊዑ ህይወቱ የሕልፍ እምበር ነተን ኣባጊዑ ተኹላ ክመጽእ እንተረኣየ ሓዲግወን ኣይሃድምን። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናይዚ ሕያዋይ ጓሳ ህያው ኣብነት እዮም። ክሳብ መወዳእታ እሙን ብምዃን፡ ህይወቶም በጃ እታ ዘፍቅርዋ ቤተክርስትያኖም ኣወፍዮም።
ብሞት ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኩሉ ኤርትራዊ መሪር ሓዘን ክስምዖ ንቡር እኳ እንተኾነ፡ የግዳስ በቲ እሙን ፍቕሮም ይተባባዕን ይጸናናዕን። ነታ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ካልኦት ካብ ምሕላፍ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን ዝብል ቅዱስ ቃል፡ ብዘይ ጎደሎ ዝፈጸሙ ኣብነታዊ ኣቦ እዮም። ኩሉ ኤርትራዊ ብህይወቶም፡ ብፍቕሮም፡ ብጽንዓቶም ክሕበንን፡ ተስፋ ክሰንቕን ይግባእ።
ኤምዲሰመ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንፍትሕን ርትዕን ደው ብምባል፡ ንመሰሎም ጥራይ ዘይኮነ ንመሰላት ብጾቶምን ካልኦት ዜጋታትን ብምሕላቕ ንዝኸፈልዎ ልዑል ዋጋን ንዘርኣይዎ መዘና ኣልቦ ትብዓትን የድንቕ።
እዞም ‘ብዘይ ሕጊ ሰብ ክእሰር የብሉን’ ኢሎም ዝሞጎቱ ኣቦ፡ ሞራላዊ ልዕልና ጨቢጦም ንምልካውያን ሓየርቶምን ጠቀንቶምን ስዒሮም ብዓወት ምሕላፎም ድማ፡ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር ኣርኣያን ሓድግን ገዲፎም ኣለዉ።
በዚ ኣጋጣሚ ንመቕርቦምን ቤተሰቦምን ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስን፡ ንኹሎም ኤርትራውያንን ጽንዓት ይሃብ እንዳበልና፡ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ዘልኣለማዊ ዕረፍቱ ይቀበሎም ንብል።
ሓቅን ፍትሕን ኣብ መወዳእታ ሰዓርቲ እየን!
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
13 ለካቲት 2022
ደቡብ ኣፍሪቃ
Comments