top of page
emdhrorg

ኤርትራ ኣብ 25 ዓመት

እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ልክዕ ከም ካልኦት ኣሕዋት ኣፍሪቓውያን ሃገራት፡ ውጽኢት ናይ ግዳማውን ውሽጣዊ ምዕባለታት እያ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝሓለፍዎ ናይ ሓባር ተሞክሮታት ሓደ ናይ ሓባር ኤርትራዊ መንነት ከማዕብሉን በዚ መንነት እዚ ድማ ክልለዩ ኣኽኢልዎምን።እዚ መንነት ግና ብሓደ ለይቲ ዝመጸ መንነት ዘይኮነ እኩብ ድምር ናይ ዘመናት ተሞክሮ እዩ። መግዛእቲ ጣልያን ድማ ብዝበለጸ እዚ ናይ ሕጂ ንጹር ፖለቲካዊ ቅርጺ ኣትሒዝዎ።

ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ክጅምርን ክጉሃሃርን ዝገበሮ ቀንዲ ድርኺት ድማ፡ ኤርትራዊ መንነት ብኻልእ መንነት ክትካእ፡ እቲ መንነት ድማ ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቐ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ነዚ መንነት ንምምላስ ድማ ኣማኢት ኤርትራውያን ሕይወቶም ስኢኖም፡ ሰንኪሎም፡ ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም፡ ስድራቤታት ተበታቲነን፡ መዳርግቲ ዘይርከቦ መከራ ሓሊፎም። ፍረ ናይዚ ኩሉ ድማ ባህጎም ረኺቦም። ኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ክበሃሉ በቒዖም። ስለ'ዚ እዩ ድማ ዓመት መጸ 24 ግንቦት ክጽንብልዋ ዝርከቡ።

ኤርትራውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ጥራሕ ድዮም ግና ኤርትራውያን እዚ ኹሉ ክቡር ዋጋ ኸፊሎም? ኣይፋሉን! ኣብ ዓዶም ብኽብረት፡ ብሰላም፡ ብቅሳነት፡ ብሓርነት፡ ከም ዜጋታት መሰሎም ተኸቢሩ ብሕግን ፍትሕን ክመሓደሩ እባ። ስለዚ እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተረጋገጸ ኤርትራዊ መንነት / መሬታዊ ናጽነት፡ ፍርቒ ናይቲ ባህግን ራእይን እዩ። እቲ ቦኺሩ ዘሎ ሓርነት ዜጋታት እቲ ዘይተመልአ ተሪፉ ዘሎ ምቃል እዩ። እዚ ድማ ማዕረ እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ እዩ። ኤርትራውያን ኤርትራውያን ተባሂሎም ኣብ ሃገሮም ከም ባሮት ዝነብሩ እንተዀይኖም፡ ኤርትራውያን ተባሂሎም ምጽዋዖም እንታይ ፋይዳ ኣለዎ?

ኤርትራ ብኤርትራውያን እያ ተረኺባ

ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ጎሊሑ ዝርአ ነገር እንተሎ፡ ናጽነት ኤርትራ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝረተኸበ ዝብል እዩ። እዚ ግና ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ። ናጽነት ኤርትራ ብቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ እዩ ተረጋጊጹ። ዋንነቱ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ከምዝመጠዎ ጌርና ንሓስብ እንተዀንና ተጋጊና ኣሎና። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ወዲቓቶ ዘላ ንኽትወድቕ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

እዚ ድማ ብኽልተ መዳይ ክንርእዮ ንኽእል። በቲ ሓደ ወገን፡ ኩሎም እኳ እንተዘይበልና፡ መብዛሕቶም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ንሳቶም ከምዘምጽእዋ፡ ተራ ናይ "ገባር" ኤርትራውያን ድማ ብኻልኣይ ደርጃ ከም ዝስራዕ ጌሮም ይሓስቡ ነይሮም። ስለዚ ተጋደልቲ ከም ቀዳሞት ዜጋታት፡ እሙናት ዜጋታት፡ እቲ ካልእ ህዝቢ ግና ከም ካልኣይ ዜጋ፡ ዝተባህልዎ ጥራሕ ክገብሩ ዘለዎም እምበር፡ ክትኣምኖም'ውን ኣሸጋሪ ከምዝኾነ ዝብል ኣተሓሳስባ ግኑን ነይሩ። ይግብኣና እዪ ዝብል ስምዒት(sense of entitlement) ክስዕርር ከኣ ሓጊዙ። ነዚ ዘንጸባርቑ ገለ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

ቀዳማይ ድሕሪ ናጽነት እንተርኢና ተሞክሮ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ኣብ ኩሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት፡ ተጋደልቲ ከምዝሕዝዎ ተገይሩ። መብዛሕቶም ኣብዚ ጽፍሕታት ዝምደቡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ክንዲ ብናይ ምርድዳእ መንፈስ ከመሓድሩ ዝፍትኑ ንኹሉ ብሓይሊን፡ መን ፍለጥ ኢልካ ዘስምዕ መንፈስ ስለዝነበረ፡ ኣብ ሞንጎ ተጋደልትን ህዝብን ናይ ምፍሕፋሕ ምኽንያት ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ካልኣይ ኣብነት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስተጀመረ ተጋደልቲ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍለዩ፡ ፍሉይ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ተዋሂብዎም። ድሓር ናይ ጅሃድ ምንቕስቓስ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ መጥቃዕታት፡ ፈልዮም ንተጋደልቲ ከጥቅዑ ምስ ጀመሩ፡ ንኹሉ ሓደ ዓይነት ዩኒፎርም ክኽድንዎ ተገዲዶም። ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቲ ዩኒፎርም "ኣማውቱና" ክብሉ ኣጠሚቆሞ።

እዚ ኣተሓሳስባ ብኽልቲኡ ወገን ማለት እቲ ሕዝቢ ተጋደልቲ ነዊሕ ዕድመኦም ኣብ ሜዳ ስለዘሕለፍዎ፡ ስለዚ ሕጂ ግዚኦም እዩ፡ ቀስ ኢሎም ከኣ ይመሓየሹ ይኾኑ፡ ስለዚ ዓቕሊ ንግበር ዝብል መንፈስ ነይርዎ። እዚ ድማ ነቶም ዝግበሩ ዝነበሩ ጌጋታት ዋላኳ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብውልቂ ይለዓሉ እንተነበሩ ከምቲ ዝግብኦም ግና ብትብዓት ደው ኢሉ ክቃወሞም ኣይተረኽበን። እዚ ምናልባት ምስ ታሪኽና ዝተሓሓዝ ስልጡንን፡ ሓያልን፡ ነጻን ሲቪካውያን ማሕበራት ብዘይምንባረን ክኸውን ይኽእል። እኹል ንቕሓት ብዘይምንባሩ'ውን ክኸውን ይኽእል። ብዕምቖት ክጽናዕ ዝግብኦ ኣርእስቲ እዩ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር'ውን ብወገኖም ናጽነት ብዘይ ናይ ህዝቢ ምሉእ ተሳትፎ ክውን ክኸውን ከም ዘይምኸኣለ ዘንጊዖም።

ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን እኩብ ድምር ጻዕሪ ምዃኑ ብምዝንጋዕና ድሕሪ ናጽነት ናይ ምልኪ ዝንባለታት ኣብ እዋኑ ክእረም ዝነበሮ ዕድል ጠፊኡ ክበሃል ይከኣል። ኣብ 2001 ድማ ብፍላይ፡ እታ ሃገር ንኹልና ብማዕረ ከምትብጽሓና ጽቡቕ ጌርና ተረዲእናዮ እንተንነብር ምናልባት እንታይ ገደሰኒ ብምባል ሱቕ ኣይምበልና ነይርና።

ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣተሓሳስባ እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሩ ኣወንታውን ኣድማዒን ተራ ከይጻወት ከምዝግለል ገይሩ። ስለዚ እቲ እንኮ ቀያሲ ፖለቲካዊ መኣዝን ናይታ ሃገር ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ተባሒቱ። እቶም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፡ ከም እንኮን ወሳንን ፖለቲካዊ ሓይሊ ናይታ ሃገር፡ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ክቅልስዎ ዓቕሚ ዝነበሮም በብቑሩብ ክግለሉ፡ "ብሓድሽ ደም" ክትክኡ ተረኺቦም። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ስልጣን ብብቑሩብ ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ተገቢቱ። ነዚ ዝተገንዘቡ ገለ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ከዕዘምዝሙን ብቓልዕ ክዛረቡ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ እቲ ህዝቢ ድሮ ተገሊሉ ብምጽንሑ ተዓዛቢ ካብ ምዃን ዝገብሮ ዋላሓንቲ ኣይነበረን። ኩሉ ብጩቕ ዝበለ ድማ በብሓደ ተኣርዩ ህጣሙ ጠፊኡ። እታ ሃገር ድማ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ጽድፊ ኣብ ምንክርራው ትርከብ፡ ህዝባ ድማ ይጸንት ኣሎ።

መን እዩ ተሓታቲ

እቲ ቀዳማይ ተሓታቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ እቲ እንኮ ኣብ ኤርትራ ዘይተለወጠ ነገር (The only constant in the equation.) እንተልዩ ንሱ ጥራሕ እዩ።ብዙሕ ግዜ ህግደፍ'ውን ተሓታቲ እዩ ይበሃል እዩ። የግዳስ ህግደፍ የለን ሞይቱ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኢሰያስ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ዝጥቀመሉ ሜላ እንተልዩ፡ ዝኾነ ተሓታትነት ዘለዎ ኣካል ምፍራስ ወይ'ውን ሓይሊ ከምዘይህልዎ ምግባር እዩ። መራሒ ሃገር ካብ ክትብሎ ሽፍታ ክትብሎ ይቐልል። ኩሉ ዓላምኡ ብኸመይ ኣብ ስልጣን ይቅኒ ዝብል ጥራሕ እዩ። ነዚ ዝሕግዞ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ብልሽውና ኣገባባት እንዳተጠቕመ፡ ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ተሓታትነት ብዘይብሉ ንንጹሃት ዜጋታት ከምዘርዕዱ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትኣብ ነንሕድሕዶም ከም ዝተፋነኑ፡ ነቶም ዘይደልዮም ድማከም ዝግለሉ እንዳገበረ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ።

ብኻልኣይ ደረጃ ዝሕተቱ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ዝነበሩ ከም እንኮ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊን ውድቦምን ህግሓኤ/ህግደፍ ብኢሰያስ ክግበት ሱቅ ኢሎም ክርእዩ ኣይምተገብአን። ኣብ መጀመርያ እኳ ተገሪህና ክብሉ ዝኽእሉ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ጉጅለ 15 ምዝራቦም ግና ዋላ ምስ ጉጅለ 15 ኣይሕበሩ ነቲ ብሉጽ ዕድመ ንእስነቶም፡ ደሞሞ፡ ኣካሎም፡ ብጾቶም ዝኸፈሉሉ ናጽነት ብውልቀ ሰባት ክግበት ዓይኖም ዓሚቶም ክርእዩ ኣምበይ ምተገብአን።

ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ብሓፈሻ ተሓታቲ እዩ። ሓደ ውልቀ ሰብ ነታ ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለላ ሃገር ክሕምሳን ክርምሳን እንዳረኣየሱቕ ክንዲ ዝብል ይኣክል በቃ ኢሉያዕ ክብሎ ይግባእ።

እዚ ክንብል ከሎና ግና ከምቲ ኣቐዲም ኣቢልና ዝበልናዮ እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ሃገሩ ብንጥፈት ከይዋሳእ ብመደብ ተገሊሉ ብምንባሩ፡ ሓይሉ ተመንዚዑ (disempowered) ብምንባሩ ነዚ ክገብር ኣይከኣለን። እዚ ድማ ንኣባላት ህዝባዊ ግንባር'ውን የጠቓልል።

ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ክኸውን ይኽእልዶ

ልክዕ እዩ ክሳብ 2001 ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ካብ ፖለቲካ ተገሊሉ፡ እንተስ ብናጽነት ኤርትራ ተዓሻሽዩ፡ እንተስ ክመሓየሽ እዩ ብዝብል ተስፋ፡ ነቲ ኢሰያስ ዝኸዶ ዝነበረ ስልጣን ናይ ምግባት መንገዲ ከስተውዕለሉ ኣይከኣለን። ዋላ ውሑዳት ዘስተውዓሉሉ እንተነበሩ። ድሕሪ 2001 ግና ሕብሪ ኢሰያስ ብቃልዕ ንግዳም ብምውጽኡ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። ገለ ተደጋጊሞም ዝጥቀሱ ንገርሂ ኤርትራዊ ንምትላል ስርዓት ኢሰያስ ዝጥቀሙሉ ምኽንያታት ንርአ።

ጸላእቲ ኣለዉና፡ ዕጥቅና ከነዝልቕ የብልናን

እዚ ዘረባ እዚ ብመራኸቢ ብዙኃን ኤርትራ፡ ብደርፍታት፡ ብናይ መኸተ ሰሚናራት፡ ኮታስ ኣሎ ብዝበሃል ናይ ፕሮፓጋንዳ መጋበሪታት ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ እዩ። ኣመሪካ፡ ውድቡ ሕቡራት ህገራት፡ ወያነ፡ ኮታስ ኩሉ ዓለም ኣንጻርና ብምዃኑ ዕጥቅና ከነዝልቕ የብልናን። እዚ ማለት ድማ ምስ ባርነት ዝዳረግ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን ምኽኑይ እዩ።

እዚ ኮነ ኢልካ ነቲ ሕዝቢ ብፍርሂ ኣሲርካ፡ ንመሰሉ መታን ከይሓትት ዝግበር መኸላእታ እዩ። ውጹእ ሓሶት ድማ እዩ። ኤርትራ ከም ሓንቲ ፍልይቲ ፍጥረት ኩሉ ዓለም ኣንጻራ ደው ከምዝብል ጌርካ ክትገልጽ ምፍታን ሚዛን ዝሰሓተ ኣተሓሳስባ እዩ። ዝኾነት ሃገር ረብሓኣ ከትሕሉ ክትጽዕር ባህርያዊ እዩ። ነዚ ድማ ዝገበርና እንተገበርና ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣሜሪካ ከም ካልእ ዝኾነት ሃገር ረብሓኣ እዩ ዘገድሳ። ስለዚ እቲ ጸገም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽሉል መሪሕነት ብትዕቢት ተወጢሩ ነዚ ብሜላ ክኣልዮ ዘይምኽኣሉ ጥራሕ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ግዳይ ይገብሮ ኣሎ።

ምርጫ፡ ዲሞክራሲ ግዚኡ ኣይኮነን

ህዝቢ ኤርትራ እንጀራ እምበር ዲሞክራሲ ኣይኮነን ዘድልዮ። ኣብ ዓለም ዲሞክራሲ ዝበሃል የሎን፡፡ ምርጫ ምግባር ንሓድነት ኤርትራ ዘላሕልሕ ዝለዝኾነ ኣድላይነት የብሉን።

መን እዩ ዲሞክራስን ቅጫን ኣይራኸባን እየን ዝበለን። መሰረት ምዕባለ፡ ብልጽግና፡ ሰላም፡ ጥዑይ ምሕደራ እዩ። ዜጋታት ኣብ ቁጠባ ሃገሮም ክዋስኡ ዘተባብዕ ጥዑይ መንግስቲ እንተዘየሎ፡ እንጀራ በየን ክርከብ። ስለዚ ዝንቡዕ መጎተ እዩ። ምርጫ ድማ ጥዑይ መንግስቲ ክትከል ይሕግዝ። ንህዝቢ ዝሓሊ መንግስቲ እንተሎ ድማ ህዝቢ፡ ኣብ ብዙሕነቱ ሓድነቱ ኣረጋጊጹ ብሰላም ኣብ ሃገሩ ክነብር ባይታ የጣጥሕ። እዚ ስርዓት ግና ንህዝቢ እንተስ ብኣውራጃ፡ ብወረዳ፡ ብሃይማኖት፡ ካልእን እንዳገበረ እንዳፈላለየ ሓድነት ህዝቢ የላሕልሕ። ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ ብግብሪ ይሰርሓሉ ኣሎ።

መንግስትን ህዝብን ኤርትራ

ኣስተውዒልናሉ እንተሊና፡ ኣብ ዝኾነ ፕሮፓጋንዳዊ መግለጺ ድምጺ ሓፋሽ ወይ ቲቪ ኤረ፡ "ህዝብን መንግሰትን ኤርትራ" ትብል ሓረግ ትደጋገም። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ እቲ ህዝቢ፡ መንግስቲ ካብ ሃገር፡ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ፈልዩ ከይርኢ ተባሂሉ ዝግበር ተንኮል እዩ።

ህዝቢ ክነቕሓሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር እንተልዩ ግና፡ ህዝብን መንግስትን በበይኖም ምዃኖም፡ መንግስትን ሃገርን ዝተፈላለዩ ኣምራት ምዃኖም እዩ። መንግስቲ ኣማሓዳሪ፡ ህዝቢ ተመሓዳሪ፡ መንግስቲ በዳሊ ህዝቢ ተበዳሊ፡ ሃገር / ህዝቢ ነባሪ፡ መንግስቲ ግና ግዚያዊ ምዃኑ እዩ። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ምባል ንባዕሉ የዋህነት ጥራሕ እዩ።

እሞ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ

መጀመርያ ኤርትራውያን እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እንተስ በቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ፡ እንተስ ብጉድለት ንቕሓት፡ ኣብቲ ሃገሮም ክትጉዓዞ ዘለዋ መንገዲ ክጻወትዎ ዝግብኦም ደራኺ ተራ ኣይተጻወቱን። እዚ ደራኺ ተራ ክሳብ ዘይተጻወቱ ድማ ሽግር ኤርትራ መፍትሒ ኣይክረክብን እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ካብ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስምዒት ወጺኡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተዓዛቢ ክንዲ ዝከውን ኣወንታዊን መሪሕን ተራ ክጻወት ክጅምር ኣለዎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ደገ ዝርከብ ኤርትራዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተሳትፎኡ የዕዝዝ እኳ እንተሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ግን ኣይ ደጋፊ ኣይ ተቓዋሚ፡ ላንጋ ላንጋ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ድማ ክቕየር ኣለዎ። ሃገራዊ እየ ዝብል ኩሉ ሃገሩ ህላዌኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ከሎ፡ ህዝቡ ክጸንትን ከም ጤለበጊዕ ክሽየጥ ክልወጥን ከሎ፡ ከምዘይምልከቶ ሱቅ ኢሉ ዝዕዘብ እንተዀይኑ ሃገራውነቱ ክሒዱ ኣሎ ማለት እዩ። ኤርትራዊ ክበሃል'ውን የጸግም። ናይ ሎሚ ኩነታት ኤርትራ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን፡ ናይ ሞትን ህይወትን ሕቶ ድኣ'ምበር ናይ ፖለቲካ ሕቶ ኣይኮነን።ኣብ ከምዚ ኩነታት ሱቕ ክብል ዝመርጽ ሰብ ካብ ሞራላዊ ተሓታትነት ከምልጥ ኣይክእልን።

ነጻነት ኤርትራ ካብ ዝረጋገጽ 25 ዓመታት ኣቁጺሩ ክነሱ፡ ኤርትራዊ ግና ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ውርደትን፡ መግዛእትን ተደዊኑ ይርከብ። ስድራቤታት ተበታቲነን፡ ወለዲ ኣብ እርጋኖም ዝጥውሮም ስኢኖም፡ ህጻናት ንቡር መዕበያ ስድራቤት ተነፊግዎም፡ በሽሓት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘይ ወለዶም ይዓብዩ ኣለዉ። ካብቲ ኣዝዩ ዘፍርሃካ ነገር እንተልዩ፡ ኤርትራውያን እዚ ዘይንቡር ህይወት ከም ንቡር ለሚድናዮ ንኸይድ ምህላውና እዩ። ወረ እንታይ ኢና ኰንና ዘሎና? እምበርዶ ሰብኣውነትና ኣየጥፋእናን ኣሎና?

መደምደምታ

ሓደ ካብ ጨቆንቲ ስርዓታት ኣብ ህዝቦም ካብ ዘተኣታትውዎ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ህዝቢ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስምዒት ምሕዳር እዩ። ንዓይ ጥራሕ ኣይተንክፉኒ እምበር ናይ ካልኦት ዘገድሰኒ ኣይኮነን። ኣነ ሕይወተዶ ይመርሕ ዋላስ ፖለቲካ ወዲ ፖለቲካ እብል . . . ወዘተ ዝብሉ ስምዒታት ግኑናት እዮም። ንመሰሉን፡ ንሓርነቱ ዝሓትት ዜጋ ቀንዲ ጸላኢኦም እዩ። ብዝከኣል መጠን ከኣ ከምኡ ዓይነት ንቅሓት ዝውንን ዜጋ ከምዘይህሉ ምግባር ስርሐይ ኢሎም ይተሓሓዝዎ። ኣገናዚቡ ዝሓስብ ዜጋ መታን ከይህሉ መራኸቢ ብዙሃን ብምቁጽጻር ደመኛታት ጸላእቲ ኣለዉና፡ ዕጥቅና ከንዝልቕ የብልናን፡ ኩሉ ዓለም ኣንጻርና እዩ እንዳበሉ ነቲ ህዝቢ ኣብ ፍርሒን ራዕድን ብምቁራን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝጥቀምሉ ፍቱን ሜላ እዩ።

ኤርትራዊ እምበኣር ነዚ ተገንዚቡ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከም ተዓዛቢ ዘይኮነስ ከም ዋና ብንጥፈት ክዋሳእ፡ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ እዩ። ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ሃገርና ክንልውጦ ድቃስ እንተዘይስኢንና ጉዳይና መን ክዓመልና? ሃየ ነዚ ሓቂ ተገንዚብና ኩላትና ኢደይ ኢድካ ንበል።

ከምቲ ተቃላሳይ ነልሰን ማንደላ "ኩሉነገር ክሳብ ዝኸውን ዘይከውን እዩ ዝመስል"ዝበሎ፡ እዚ ከም መንድዓት ጠሚሩ ሒዙና ዘሎ ስርዓት ዘይወድቕ ይመስል ግናወዳቃይ እዩ። ኣይናይ ዓማጺ ስርዓት ምስ ነበረ እሞ ክነብር። ስለዚ ተስፋ ከይቆረጽና፡ ካብቲ ኣሲሩና ዘሎ ፍርሒ ቦሎኽ ኢልና ወጺእና፡ ነቲ ንብህጎ ለውጢ ንምምጻእ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ዜጋዊ ሓላፍነትና ንሰከም። ርግጽ እዩ እቲ መንገዲ ልሙጽ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ሓጎጽጎጽን፡ ወረድ ደይብን ዘለዎ እዩ። የግዳስ ዘይከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ባራክ ኦባማ ዝበሎ፡ "እወ ንኽእል ኢና"(Yes we can!)

ኢያሱ ዓንደማሪያም

3 views0 comments

Commenti


bottom of page